Windows 8.1 ናይ ቋንቋ መንጎኛ ዕሽግ (LIP)
ናይ Windows 8.1 ናይ ቋንቋ መንጎኛ ዕሽግ (LIP) ኣብ Windows 8.1 ብብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ናይ ዝውዕሉ ቦታታት ብኽፋል ዝተተርጎመ ናይ ተጠቃሚ መንጎኛ የቕርብ።
ኣገዳሲ! ካብ ታሕቲ ቋንቋታት ምምራጽ ናይ’ቲ ገጽ ትሕዝቶ ብምሉእ ብኡንብኡ ክቕይሮ እዩ።
ስሪት፦
1.0
ዝተሓተመሉ ዕለት፦
12/11/2013
ናይ ፋይል ሽም፦
LIP_ti-ET-32bit.mlc
LIP_ti-ET-64bit.mlc
ናይ ፋይል ገዝፊ፦
2.7 MB
4.0 MB
Windows ናይ ቋንቋ መንጎኛ ዕሽግ (LIP) ኣብ Windows ብብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ናይ ዝውዕሉ ቦታታት ብኽፋል ዝተተርጎመ ሕታም የቕርብ። LIP ምስተጻዕነ፣ ኣብ ጠቢባት፣ ናይ ዝርርብ ሳጹናት፣ ኣማራጽታት፣ ናይ ሓገዝን ድጋፍን ኣርእስታትን ዝርከብ ጽሑፍ ብናይ LIP ቋንቋ ክርኣይ እዩ። ዘይተተርጎመ ጽሑፍ ብናይ Windows 8.1 መሰረታዊ ቋንቋ ክርኣይ እዩ። ንኣብነት፣ ዝገዛእኻዮ ናይ Windows 8.1 ሕታም ብስፓኒሽ ኮይኑ፣ ዝጸዓንካዮ LIP ካታላንኛ እንተኾይኑ፣ ሓድሓደ ጽሑፍ ብስፓኒሽ ክተርፍ እዩ። ኣብ ትሕቲ ሓደ መሰረታዊ ቋንቋ፣ ካብ ሓደ ንላዕሊ LIP ክትጽዕን ትኽእል ኢኻ። Windows LIP፣ ኣብ ኩሎም ናይ Windows 8.1 ሕታማት ክጽዓን ይኽእል እዩ።