ማይክሮሶፍትስምምዕመሸጣ

ብለካቲት 2017 እተሓደሰ

ናብ ቀጥታዊ መስመርን ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ችርቻረን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም። "ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ" ማለት፡ ንናትና ናይ ቀጥታዊ መስመርን ናይ መሸጣ ችርቻሮ ቦታታትን ዝምልከት ኮይኑ፡ ብመገዲ ኢንተርነት ክትፍትሹ፡ ክትርእዩ፡ ክትረኽቡ ኰነ ከም ናይ ገይም መጣጥሒታት፡ ዲጂታላዊ ትሕዝቶታት፡ ኣፕሊከሽናት፡ ገይማት፡ ኣገልግሎታትን ካልኦት ተወሰኽቲ ነገራትን ንዝኣመሰሉ ፍርያታትን ኣገልግሎታትን ክትመዝኑን ክትግምግሙን ዘኽእለኩም እዩ። እዞም ስምምዓት መሸጣ እዚኣቶም ("ስምምዓት መሸጣ")፡ ንዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ማይክሮሶፍት፡ ንዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ኦፊስ፡ ንዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ኤክስ-ቦክስ፡ ንዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዊንዶውስን ካልኦት ነዞም ስምምዓት መሸጣ እዚኣቶም (ብሓባር "ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ") ዝበሃሉ ኣገልግሎታት ማይክሮሶፍትን ዘጠቓለሉ እዮም። ብመገዲ እቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ፡ ማይክሮሶፍት ናብ ዝተፈላለዩ፡ ከም ናይ መውረዲ ወይ መራገፊ ቦታታት፡ ሶፍትዌራት፡ ናውቲ መሳርያታት፡ ሓበሬታ ብዛዕባ ሶፍትዌር፡ ኣገልግሎታት፡ ካልኦት ዝሽየጡን ዝግዝኡን ኣቚሑ፡ (ብሓባር "ኣገልግሎታት" ከምኡ ድማ ብሓባር ምስ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ "ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ") ተጠቀምቲ ክትኰኑ ዕድል ይፈጥር። ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዝቕረቡ ፍርያታት፡ ኣገልግሎታትን ትሕዝቶታትን፡ ሳልሳይ ኣካል ፍርያት ኰይኖም፡ ብማይክሮሶፍት ዘይኰነስ ብኻልኦት ኣሃዱዳት ዝቐረቡ እዮም። ንዲጂታላዊቤትመሸጣብምጥቃምኩምወይካብዲጂታላዊቤትመሸጣፍርያትንኣገልግሎታትንብምዕዳግኩም፡ምስስምምዓትመሸጣ፡ምስመሰልብሕትውናዝምልከትወግዓዊቃልናይማይክሮሶፍት (ትሕትኢሉንክፍሊውልቃዊሓበሬታናይብሕትውናንምክልካልንተመልከቱ) ከምኡ’ውንንዝምልከትስምምዓትንኩነታትን፡ኣብዲጂታላዊቤትመሸጣወይኣብመወከሲናይዞምስምምዓትመሸጣ (ብጥርኑፍ"ዲጂታላዊቤትመሸጣፖሊሲታት") ንዝርከቡፖሊሲታትወይመጠንቀቕታታትተቐቢልኩምዎምንተሰማሚዕኩምዎምንኣለኹምማለትእዩ። ንፖሊሲታት ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ብጥንቃቐ ከተንብብዎ ነተባብዓኩም። ምስ ናይ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ፖሊስታት ምስ ዘይትሰማምዑ፡ ነቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ወይ ኣገልግሎታት ክትጥቀምሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

ኣብ ሃገርኩም ወይ ኣብ ዞባኹም፡ ናይ ማይክሮሶፍት ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ናይ ችርቻረ ምስ ዝህልወና፡ ዝተፈልየ ወይ ተወሳኺ ፖሊሲታት ክህልወና ይኽእል እዩ።. ማይክሮሶፍት፡ ሓበሬታ ከይሃበ ኣብ ዝዀነ እዋን ዝዀነ ፖሊሲታት ከሐድስ ወይ ከመሓይሽ ይኽእል እዩ።

ምስዲጂታላዊቤትመሸጣምጥቃምኩምዝተኣሳሰሩስምምዓት።

1. ናይ ኣባል ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ወይ መለለዪ ቊጽሪ። ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ፡ መለለዪ ኣድራሻ ክትከፍቱ ምስ ዝሓተኩም፡ ብዛዕባኹም ህሉውን ምሉእን ቅኑዕን ሓበሬታ ብምሃብ፡ ነቲ ብዝምልከት ናይ ምዝገባ ቅጥዒ ዝሕተት መስርሕ ምዝገባ ብዝግባእ ክትፍጽምዎ ትግደዱ ኢኹም።. ብዘይካ’ዚ፡ ከም ቅድመ ኲነት ምኽፋት ናይ መለለዪ ኣድራሻ፡ ናይ ኣገልግሎት ስምምዓት ወይ ዝተፈልየ ናይ ምጥቃም ስምምዓት ክትቅበሉ ትሕተቱ ኢኹም። ናይ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ይኹን ካብኡ ናይ ዝረኸብኩሞ ትሕዝቶ ተጠቀምቲ ንምዃን መለለዪ ኣድራሻ ክትጥቀሙ እንከለኹም፡ እዚ መስርሕ እዚ ብኹሎም ናይ ማይክሮሶፍት ነጥብታት ስምምዕ ክትቅየዱ ዘገድደኩም እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ብኽብረትኩም ንስምምዓት ኣገልግሎታት ማይክሮሶፍት ተዓዘቡ። ንሓበሬታ ናይ መለለዪ ኣድራሻኹም ኰነ ንናትኩም ቃል ይሕለፍ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትሕቲ መለለዪ ኣድራሻኹም ንዝፍጸሙ ኩሎም ንጥፈታት ብስቱር ናይ ምሓዝ ሓላፍነት ኣለኩም።

2. ሕጋዊ ዘይኰነ ወይ ዝተኸልከለ ነገራት ምጥቃም ኣይፍቀድን። ከም ቅድመ ኲነት፡ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣን ኣገልግሎታትን ምጥቃምኩም፡ ብመሰረት ስምምዓት መሸጣ፡ ናይቲ ቤት መሸጣ ፖሊሲታት ወይ ነቲ ቤት መሸጣ ብምጥቃምኩም ተግባራዊ ዝኸውን ዝዀነ ካልእ ነገር፡ ነቲ ቤት መሸጣ ንዘይሕጋዊን ክልክሉን ዕላማ ክትጥቅምሉ ከምዘይምዃንኩም ኢኹም ውሕስነት ትህቡና ዘለኹም። ነዚ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ እዚ፡ ንዓኡ ብዘዕኑ፡ ብዘቋርጽ፡ ልዕሊ ንቡር ሽኸም ብዝገብር ወይ ንናይ ማይክሮሶፍት ሰርቨር ይኹን ኔትዎርክ ብዝጎድእ፡ ወይ ድማ ኣብ ናይ ካልኦት ተጠቀምቲ ምትእትታው ብምግባርን፡ ተጠቃምነቶም ብዝዕንቀጽ መገዲ ክትጥቀምሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም።. ንዘይፍቀደኩም መሰል ተጠቃምነት ንምርካብ ክትብሉ፡ ብመገዲ ስርሳረ (hacking)፡ ቃለ-ምስጢር (password) ብምፍታሽን ካልኦት ኣገባባኣት ብምጥቃምን፡ ኣብ ልዕሊ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ፡ ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ፡ ኣብ ዝዀነ ናይ ማይክሮሶፍት ሰርቨር ይኹን ምስ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዝተራኸበ ናይ ኮምፒዩተር ኣገባብ ወይ ኔትዎርክ ፈተነታት ከተካይዱ ፍጹም ኣይግበኣኩምን።. ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ፡ ብዕላማ ንዘይተቐመጠ ወይ ድሉው ንዘይኰነ ነገራት፡ ዝዀነ ኣገባብ ተጠቒምኩም ሓበሬታ ክትረኽቡ ኣይትፈትኑ፡ ክትረኽቡ’ውን ኣይትኽእሉን ኢኹም።. ነቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ፡ ንመሰል ንሳልሳይ ኣካል ብዝጥሕስ ኣገባብ ማለት፡ ነቲ ሰብ ይኹን ነቲ ኣካል ወይ’ውን ንማይክሮሶፍት ደይመደይ ኢሉ ጉድኣት ብዘስዕብ መገዲ ከይተረፈ ማለት’ዩ፡ ክትጥቀምሉ ኣይፍቀደኩምን እዩ።. ካብቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ንዝረኸብኩምዎ ፍርያት፡ ሓበሬታን ኣገልግሎታትን፡ ንኽትነግድሉ ክትብሉ ክትዝርግሕዎ፡ ሕጋዊ ፍቓድ ከተውጽእሉን ወይ’ውን ክትሸጥዎ ኣይፍቀደኩምን እዩ።

3. ንማይክሮሶፍት ትህብዎ ወይ ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ትዝርግሕዎ ነገራት። ማይክሮሶፍት ኣብ’ቶም እተቕርቡሉ ነገራት (እንተላይ መልሰ-ግብርታት፡ ደረጃታት ገምጋም፡ ገምጋማትን ርእይቶታትን) ወይ ኣብ’ቶም እትልጥፍዎም፡ ናብ ኢንተርነት እትጽዕንዎም፡ ከምኡ’ውን ናብ መኽዘን ኣብ እተበርክትዎም ይኹኑ ብኻልኦት ንኽግምገሙ ናብ ተዛመድቲ ኣገልግሎታት ማይክሮሶፍት ኣብ እተረክብዎም ተማሳሰልቲ ነገራት (ንነፍሲ-ወከፍ "ምርካብ" ብጥርኑፍ ድማ "ምርኽኻባት") ናይ ዋንነት ሕቶ የብሉን። ። እንተዀነ፡ እቲ ዝልኣኽኩምሉ ፍርያት ይኹን ንብረት፡ ማይክሮሶፍት፡ ብዘይ ዝዀነ ድሩትነት፡ ሕጋዊ መሰል ረኺቡ ብዓለም ደረጃ ንኽጥቀመሉ፡ ንኸመሓይሾ፡ ብዝጥዕሞ ንኽቕይሮ፡ ደጊሙ ንኽምስርሖ፡ ካብኡ ካልእ ስራሕ ንኸመንጩ፡ ንኽትርጕሞ፡ ንኽእርሞ፡ ብቕዓቱ ንኸመሓይሾ፡ ንኽዝርግሖን ከምኡ ድማ ስምኩም ኣሰንዩ ብዝዀነ መራኸቢ ብዙሃን ንኸቃልሖ፡ ብቀዋምነትን ዘይቅየርን ብናጻ ፍታውን ሂብኩምዎ ኢኹም።. ነቲ ዘረከብኩምዎ ነገራት፡ ኣብቲ ብዘይ ቀይዲታት ብብዝሒ ዝርከበሉ ቀጥታዊ መስመር ናይ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ እንተደኣ ሓቲምኩምዎ፡ እቲ ዘረከብኩምዎ ኣብኡ ንምርኢት ክቐርብ ወይ ምስቲ ነቲ ንዲጂታላዊ ቤት መሸጣን ሒዙዎ ዘሎ ፍርያትን ኣገልግሎታትን ዘተባብዑ ነገራት ተጸንቢሩ ክቐርብ እዩ።. ነቲ ናብ ቤት መሸጣ እተቕርብዎ ነገራት ንኸተረክቡን እዚ መሰል እዚ ንማይክሮሶፍት ንኸትህቡን ዘድልየኩም ዘበለ መሰላት ክህልወኩም ይግባእ። መጻኢ ውሕስነት ናይቲ እትልእክዎ ነገራት ከተረጋግጹን ድማ ኣለኩም።

ነቲ ዘረከብኩምዎ ነገራት ብምጥቃምና፡ ንዓኹም ዝኽፈለኩም ካሕሳ የለን።. ማይክሮሶፍት፡ ንዘረከብኩምዎ ዘበለ ነገራት ክዝርግሕ ኰነ ክጥቀም ዝዀነ ግዴታ የብሉን። ብተወሳኺ፡ ማይክሮሶፍት፡ ብናይ ውልቃዊ ምርጫ፡ ኣብ ዝዀ ግዜ ንዝዀነ ዝተረከበ ነገራት ከልግሶ ይኽእል እዩ።. ማይክሮሶፍት፡ ንእተረክብዎም ነገራት ወይ ካልኦት ንዝዝርግሕዎ፡ ዝጽንዕንዎ፡ ዘበርክትዎ ወይ ነቲ ቤት መሸጣ ተጠቒሞም ናይ ዘረክብዎ ማተሪያል ሓላፍነት ኣይወስድን፡ ግዴታ’ውን የብሉን።.

ንሓደ ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዝርከብ ኣፕሊከሽን እንተደኣ ደረጃኡ ዓቂንኩምዎ ወይ ገምጊምኩምዎ፡ ካብ ማይክሮሶፍት፡ ናይቲ ኣሕታሚ ኣፕሊከሽን ትሕዝቶ ዘለዎ ኢ-መይል ክልኣኸልኩም እዩ።.

4. ናብ ሳልሳይ ኣካል ዘራኽቡ መርበብ ሓበሬታታት።. ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ፡ ነቲ ቤት መሸጣ ክትገድፉዎ ዕድል ዝህበኩም ምስ ሳልሳይ ኣካል ዘራኽብ መርበብ ሓበሬታት ክሕዝ ይኽእል እዩ።. እዞም መስመር መራኸቢታት እዚኣቶም፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ማይክሮሶፍት ኣይኰኑን። ማይክሮሶፍት’ውን ብትሕዝቶ ናይ ዝዀነ ዝተራኸበ መስመር ይኹን ኣብ’ቲ መስመር መራኸቢ ተሓቚፉ ዝርከብ ነገራት፡ ሓላፍነት ኣይወስድን እዩ።. ማይክሮሶፍት፡ ነዚ መስመር መራኸቢታት ዝህበኩም ዘሎ፡ መታን ክጥዕመኩም ኢሉ እዩ። ኣብኡ ዝግበር ምውሳኽ መስመር መራኸቢ ድማ፡ ብማይክሮሶፍት ሕጋዊ ደገፍ ኣለዎም ማለት ኣይኰነን።. ናይ ሳልሳይ ኣካል መርበብ ሓበሬታ ምጥቃምኩም፡ ምስት ናይቲ ሳልሳይ ኣካል ስምምዓትን ኩነታትን ተረዳዲእኩም ኣለኹም ማለት እዩ።

ምስፍርያትመሸጣኹምንኣገልግሎታትኩምንዝሳነዩስምምዓትን።

5. ጂኦግራፊያዊ ህላወ። ህላወ ፍርያትን ኣገልግሎታትን ብመሰረት ዞባኹም ወይ መሳርሒኹም ክፈላለ ይኽእል።. ብተወሳኺ፡ ብመሰረት ናይ ምልኣኽ ወይ ምስዳድ ፖሊስታትና፡ ናበየና ቦታ ፍርያትና ንልእኽ ደረት ክህልዎ ይኽእል እዩ።. ገዚእኩም ንኽትውድኡ፡ ኣብቲ መስርሕ ዕድጊ እትፍጽምሉ ዘለኹም ዲጂታላዊ ቤት መሽጣ ዝርከቦ ሃገር ወይ ዞባ፡ ብቑዕ ናይ መኽፈሊን መልኣኽን ኣድራሻ ክህልወኩም ትሕተቱ ኢኹም።

6. ናይ መወዳእታ ተጠቀምቲ ጥራይ። ካብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ፡ ፍርያትን ንብረት ንኽትዕድጉ፡ ንስኻትኩም ናይ መወዳእታ ተጠቀምቲ ክትኰኑ ትግደዱ ኢኹም።. ገዚኦም ዝሸጡ፡ ክዕድጉ ኣይፍቀዶምን እዩ።

7. ናይ ሰደድ ድሩትነት። ካብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዝዕደጉ ፍርያትን ንብረትን፡ ኣብ ትሕቲ ኣታዊ ቀረጽን ሰደድን ዝቆጻጸር ሕጊን ስርዓትን ክኸውን ይኽእል እዩ።. ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ዓለማዊን ሃገራዊን ሕግታትን ስርዓታትን ክትሰማምዑ ተረዳዲእኩም ኢኹም።

8. ምኽፋል ዕዳ። እትኸፍልሉ ኣገባብ ንማይክሮሶፍት ብምሃብ፡ ንስኻትኩም፡: (i) ነቲ ኣቕሪብኩምዎ ዘለኹም ኣገባብ ናይ ኣከፋፍላ ንኽትጥቀምሉ ሕጋዊያን ምዃንኩምን ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣከፋፍላ እትህብዎ ዘበለ ሓበሬታ ሓቂን ትኽክልን ከምዝዀነ መረጋገጺ ሃቡ። (ii) በዓል መዚ ማይክሮሶፍት ድማ፡ ብመገዲ ናይ እትኸፍልሉ ኣገባብ ገይርኩም ንዝዓደግኩምዎ ፍርያት፡ ኣገልግሎታትን ካልእ ትሕዝቶን ዋጋ ከኽፍለኩም እዩ። (iii) በዓል መዚ ማይክሮሶፍት፡ ኣብ’ቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ንኽትጥቀምሉ ብምባል ንዝፈረምኩምሉ ገጻት ናይቲ ቤት መሸጣ ከኽፍለኩም እዩ።. ናይ ኢንተርነት መለለዪ ኣድራሻኹምን ካልእ ሓበሬታን ማለት፡ ናይ ኢ-መይል ኣድራሻኹምን ቊጽሪ ናይ ልቓሕ ካርድኹምን ዝወድቀሉ ዕለትን ሓዊስካ ማለት’ዩ፡ ብዝቐልጠፈ ንኸተሐድስዎ ክትሰማምዑ ኣለኩም። እዚ ድማ፡ ምስ ዝግበር ካብን ናብን ግብረ ዋኒን ኣተሓሒዝና፡ ነቲ ናታትኩም ግብረ-ዋኒን ንኽንፍጽሞን ኣብ ዝደለናዮ እዋን ንኽንውከሰኩምን ዘእኽለና እዩ።. ከነኽፍለኩም ንኽእል ኢና፦ (ሀ) ኣቐዲምና፡ (ለ) ኣብ’ቲ እትዕድግሉ ግዜ፡ (ሐ) ድሕሪ ምዕዳግኩም ኣብ ዝሓጸረ እዋን፣ ወይ ድማ (መ)ብተደጋጋሚ - ንምዝገባ ኣባልነት (ዘይቀዋሚ) ብዝምልከት።. ብተወሳኺ፡ ክሳብ’ቲ ዝፈቐድኩምዎ መጠን ገንዘብ ከነኽፍለኩም ንኽእል ኢና። በዚ መሰረት፡ ኣብ ዘይቀወምቲ ኣባልነታት ዝዀነ ይኹን ለውጢ ናይ መጠን ክፍሊት ምስዝህሉ፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣባልነት ኣቐዲምና ክንሕብረኩም ኢና።. ኣቐዲሞም ንዘይተመስርሑ መጠናት ገንዘብ ብዝምልከት፡ ካብ ናይ ሓደ ናይ ክፍሊት እዋን ንላዕሊ ዘጠቓለለ ሰነድ ዕዳ (ቢል) ክንልእከልኩም ንኽእል ኢና።. ትሕት ኢልኩም፡ ንክፍሊ ቅጽበታዊ ምሕዳስ ተመልከቱ።

ናጻ ፈተነ ተጠቃምነት ንኽትገብሩ ዕድል ምስዝወሃበኩም፡ ነዚ ናጻ ናይ ተጠቃምነት ግዜ ኣብ ዘብቅዓሉ እዋን ነቲ ክትረኽብዎ ዝጸናሕኩም ኣገልግሎት ከተሰርዝዎ ይግባእ። እንተዘይኰነ ሓድሽ ዕዳ ክመጽኣኩም እዩ፣ ማለት ብወገንና ኣገልግሎትኩም ንኸይተሰርዙ ክሳብ ዘይሓበርናኩም።. ኣብ መወዳእታ ናይ ፈተነ-ግዜ ነቲ ዝወሃበኩም ኣገልግሎት እንተደኣ ዘይሰሪዝኩምዎ፡ ነቲ እንህበኩም ዘለና ፍርያትን ኣገልግሎትን ምኽንያት ብምግባር፡ ከነኽፍለኩም መሰል ትህቡና ከምዘለኹም ፍለጡ።.

9. ዝደጋገሙ ክፍሊታት። ኣባልነትኩም (ንኣብነት ናይ ሰሙን፡ ወርሓዊ፡ ናይ 3 ወርሒ ወይ ዓመታዊ (ከም ዝጥዕም)) ምርኩስ ብምግባር ገለ ፍርያታት፡ ኣገልግሎታት ወይ ካልእ ትሕዝቶ ምስ እትዕድጉ፡ ኣብ ዝግባእ ዝጥዕመኩም ናይ ክፍሊት እዋን ደጋጊምኩም ናይ ኣባልነት ክፍሊትኩም ክትፍጽሙ ፍቓደኛታት ምዃንኩም ተፍልጡን ትሰማምዑን ኣለኹም። ክፍሊትኩም ናብ ማይክሮሶፍት ኣሰጋገረሉ መገዲ፡ ኣብ’ቲ ንስኹም ኣብ ሞንጎ መሪጽኩሞ ዝጸናሕኩም ኣገባብ ዝምርኰስ ክኸውን እዩ። እዚ ድማ ኣባልነትኩም ብወገንኩም ድዩስ ብወገን ማይክሮሶፍት ማለት ብመንጽር ናቱ ነጥብታት ስምምዕ ክሳብ ዘቋርጽ ቀጻሊ ዝፍጸም ይኸውን። እቲ ክፍሊት ተዳጋጋሚ ንክኸውን ስልጣን ብምሃብኩም፡ ማይክሮሶፍት፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ክፍሊት ብኤለክትሮኒካዊ ዕዳ ወይ ምስግጋር ገንዝብ፡ ወይ’ውን ካብቲ ተረቚሑ ዘሎ ቊጽሪ ሕሳብ ከም ኤለክትሮኒካዊ ሓዋላ (ንኣብነት ንኣውቶማቲካዊ ቤት ምጽራይ ሕሳባት ወይ ተመሳሰልቲ ክፍሊታት ብዝምልከት) ገይሩ ክምስርሖ ወይ ድማ ካብቲ ተረቚሑ ዘሎ ቊጽሪ ሕሳብ ከኽፍል (ንኣብነት፡ ናይ ልቓሕ ካርዲ ወይ ተመሳሳሊ ክፍሊታት) (ብጥርኑፍ "ኤለክትሮኒካዊ ክፍሊታት") ስልጣን ትህብዎ ኣለኹም ማለት እዩ።. ናይ ኣባልነት ክፍሊት፡ ቅድሚ’ቲ ተፈጻምነት ዘለዎ ናይ ኣባልነት ግዜ፡ ብሓፈሻኡ ይኽፈሎ ወይ ገንዘብ ይቑረጾ እዩ። ዝዀነ ክፍሊት ከይተኸፍሎ ወይ ከይተቖርጾ እንተደኣ ተመሊሱ ወይ ዝዀነ ናይ ልቓሕ ካርድ ወይ ተመሳሳሊ ግብረ-ዋኒን እንተደኣ ተነጺጉ ወይ ተኻሒዱ፡ ማይክሮሶፍት ወይ ናቱ ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ክምለስ ዝኽእል ንዘበለ ንብረት ክዕቅብ፡ ክነጽግ ወይ ከኣ በቲ ዝምልከት ሕጊ ክሳብ ዘፍቅዶ ገንዘብ ከኽፍል መሰል ኣለዎ።

10. ህላወ ፍርያትን ብዝሕን ደረት ምእዛዝን። ዋጋታት ፍርያትን ህላውነቶምን፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ወይ ብዘይ ዝዀነ ሓበሬታ ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ማይክሮሶፍት፡ ብመሰረት ንነፍሲ ወከፍ ምእዛዝ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ኣድራሻ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ናይ ልቓሕ ካርድ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ሰብ፡ ወይ ንነፍሲ-ወከፍ ስድራ፡ ብዝሒ ናይቲ ዝዕደግ ንብረት ክድርቶ ይኽእል እዩ። እቲ ዝኣዘዝኩምዎ ፍርያት ወይ ንብረት ምስ ዘይርከብ፡ ከም ኣማራጺ ካልእ ፍርያት ንኽንቅርበልኩም ክንውከሰኩም ኢና። ነቲ ከም ኣማራጺ ዘቕረብናልኩም ፍርያት ምስ ዘይትዕድግዎ፡ ነቲ ዘቕረብኩምዎ ትእዛዝ ወይ ጠለብ ክንስርዞ ኢና።

ማይክሮሶፍት፡ ኣብ ዝዀነ ግዜ ንዝዀነ ጠለብ ክኣብዩ ወይ ክነጽጎ ይኽእል እዩ። መኽንያታዊ ብዝኹነ መገዲ ድማ፡ ንዝጠለብኩምዎ ንብረት ንዝኸፍልኩምዎ ገንዘብ ከሕውየኩም እዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ እዋን’ቲ ጠለብ ንዝተገልጹ ረቛሒታት ምስ ዘይተማልኡ፡ ክፍሊትኩም ክምስራ ዘይክእል ምስ ዝኸውን፡ እቶም ዝተኣዘዙ ፍርያትን ንብረትን ምስ ዘይህልው፡ ወይ ድማ ናይ ዋጋን ካልእን ጌጋታት ምስ ዘጋጥም፡ ማይክሮሶፍት በዚ ክድረት ኣይክእልን እዩ።. ምጉዳል ዋጋን ካልእ ጌጋታትን ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ፡ (ሀ) ጠለብኩም ወይ ዝዓደግኩምዎ ክንስርዝ (ለ) መምርሒታት ንምርካብ ክንውከሰኩም፡ ውልቃዊ ምርጫናን መሰልናን እዩ።. ምስራዝ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ ምስ ትሕዝቶ ተኣሳሲሩ ዝነረኩም መሰል ተጠቃምነት ወይ ኣፍ-ደገ ክዕጾን ከምዘይሰርሕ ክኸውንን እዩ።.

ከምኡ’ውን፡ ምስ ናይ ኢንተርነት መለለዪ ኣድራሻኹም ተኣሳሲሩ ምስ ትሕዝቶ ንብረትን ካልእን ዝነበረኩም መሰል ተጠቃምነት ብዝዀነ ምኽንያት፡ ከነቋርጾ ንኽእል ኢና።. ብዘይካ’ዚ፡ ነቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ንምክልካል ወይ ነቲ ካልኦት ወገናት ንምጽላው ብዝብል ዕላማ፡ ንገይማት፡ ኣፕሊከሽናት፡ ትሕዝቶታት ወይ ኣብ መሳርሒታትኩም ዘለዉ ኣገልግሎታት ከነልግሶ ንኽእል ኢና።. ገለ ትሕዝቶታትን ኣፕሊከሽናትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘይክርከቡ ወይ’ውን ንዝተወሰነ ግዜ ጥራይ ዝቕረቡ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።. ህላውነት ናይ ፍርያት ብዞባ ክጽሎ ይኽእል እዩ።. ስለዚ፡ ኣድራሻኹም ወይ መሳርሒኹም ናብ ካልእ ዞባ ምስ እትቕይሩ፡ ንትሕዝቶታ ወይ ኣፕሊከሽናት ደጊምኩም ከተውርድዎ ኣይትኽእሉን ወይ’ውን ንገለ ናይ ዝዓደግኩምዎ ትሕዝቶታት ደጊምኩም ክትጥቀምሎም ኣይክፍቀደኩምን እዩ። ነቶም ኣብ’ቲ ኣቐዲምኩም ዝነበርኩምዎ ዞባ ከለኹም ዝኸፈልኩምሎም ትሕዝቶታት ወይ ኣፕሊከሽናት ደጊምኩም ክትዕድግዎም ክትግደዱ ኢኹም።. ብዘይካ’ቲ ዝምልከቶ ሕጊ ክሳብ ዘፍቅዶ፡ ናይ ዝገዛእኩምዎ ትሕዝቶ ወይ ኣፕሊከሽን ዳግማይ ተውርድሉ (re-download) ውይ መተካእታ ክንቅርበልኩም ኣይንግደድን ኢና።

11. ምሕዳሳት። እንተደኣ ተኻኢሉ ወይ ተፈቒዱ፡ ማይክሮሶፍት፡ ናብቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዋላ ኣይትፈርሙ፡ ነቲ መውረዲ (download) ኣብ ናትኩም ኣፕሊከሽን ብቕጽበት ከረጋግጾን ከሐድሶን እዩ።. ኣብ ኣፕሊከሽን ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ቀጥታዊ ምሕዳስ (updates) ክትቅበሉ ምስ ዘይትደልዩ ናታትኩም መቃን (settings) ክቅይሩ ትኽእሉ ኢኹም።. እንተዀነ ግን፡ ገለ ገለ ብምሉእ ይኹን ብኸፊል ብቀጥታዊ መስመር ኣገልግሎት ዝህባ ኦፊስ ኣፕሊከሽን ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ፡ ኣብ ዝዀነ ግዜ ብመገዲ ኣማዕባሊ ኣፕሊከሽን ክሕደሳ ይኽእላ እየን። ንኽሕደሳ’ውን ናታትኩም ፍቓድ ኣይሓታን እየን።

12. ሕጋዊ ፍቓድ ሶፍትዌርን ናይ ምጥቃም መሰልን። ብመገዲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ኣቢሎም ዝቕረቡ ሶፍትዌርን ካልኦት ዲጂታላዊ ፍርያትን ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም እዮም። ንዓኹም ክሽየጡ’ውን ኣይክኣሉን እዮም። ብቐጥታ ካብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዝወረዱ ኣፕሊከሽናት፡ ኣብ ትሕቲ ደረጃኡ ዝሓለወ ስምምዓት ኣፕሊከሽን ሕጋዊ ፍቓድ ("ኤስ.ኤ.ኤል.ቲ") ዝመሓደር እዩ። እዚ ኣብ ነቚጣ መርበብ ሓበሬታ [https://go.microsoft.com/fwlink/p/?linkid=838610&clcid=0x0473] ይርከብ። እቲ ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዝርከብ ኣፕሊከሽናት ምስኡ ዝተፈላለየ ስምምዓት ሕጋዊ ፍቓድ ምስ ዝህልዎ ግን ካብ ቁጽጽር ኤስ.ኤ.ኤል.ቲ ወጻኢ እዩ።. (ካብ ኦፊስ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዝወረዱ ኣፕሊከሽናት ብ ኤስ.ኤ.ኤል.ቲ (SALT) ዝመሓደር ኣይኰነን። ናቱ ዝተፈልየ ስምምዓት ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ እዩ።. ካብ ዲጂታውኢ ቤት መሸጣ ዝርከቡ ኣፕስ፡ ገይማትን ካልኦት ዲጂታላዊ ፍርያትን፡ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ተጠቒሱ ብዘሎ ናይ ኣጠቓቕማ ሕጊ ተቐይዶም ዝኸዱ እዮም። https://go.microsoft.com/fwlink/p/?LinkId=723143. ምስዚ ዲጂታላዊ ኣቕሑ ብዝተኣሳሰር፡ ዘለኩም መሰል ብመሰረት ስምምዓት መሸጣ፡ ሕጊ መሰል ሕትመትን ልዕል ኢሉ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ምጥቃም ሕግታት፡ ድሩት ምዃኑ ትርድኡን ትእመኑን ኢኹም።. ካብ ዲጂታላውዊ ችርቻረ ቤት መሸጣ ማይክሮሶፍት ዝተዓደጉ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ ሶፍትዌር፡ ኣብ ትሕቲ ነቲ ሶፍትዌር ዘሰኒ ውዕል ሕጋዊ ፍቓድ’ዩ ዝመሓደር። ነቲ ሶፍትዌር ምስ እትገጥምዎ (install) ድማ፡ ምስቲ ውዕል ሕጋዊ ፍቓድ ክትሰማምዑ ክትሕተቱ ኢኹም።. ብዘይ ዝዀነ ብቑዕ ስምምዕ ሕጋዊ ፍቓድ፡ ናይ ምጥቃም ሕግታትን ዝምልከት ሕግን፡ ኣብ ሶፍትዌር ወይ ዝግዝኡ ኣቕሑ፡ ዝዀነ ደጊምካ ምፍራይ ወይ ደጊምካ ምዝርጋሕ ብጥብቂ ዝተኸልከለ እዩ። ሓደገኛ ሲቪላዊን ገበናዊን መቕጻዕቲታት ከኸትል እውን ይኽእል።. ንተኽእሎ ጥሕሰት ሕጊ ዝምልከት - ብመሰረት እቲ ዝለዓለ ግዝኣተ-ሕጊ።.

ቅድሚ ዝዀነ ጥቕላል ሶፍትዌር ምኽፋትኩም፡ ንሳጹን ሶፍትዌር ኢልኩም ቅዳሕ ናይቲ ተፈጻምነት ዘለዎ ስምምዕ ሕጋዊ ፍቓድ ምስ እትደልዩ፡ ገንዘብ ከይከፈልኩም ክውሃበኩም ስለዝኽእል፡ ብኽብረትኩም፡ ንዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ችርቻረ ማይክሮሶፍት (ብኸመቲ ትሕት ኢሉ ኣብ ምልክታን ናይ መራኸቢ ክፍሊትን ተገሊጹ ዘሎ) ተወከስዎ።.

ካልኦት ስምምዓትን ኩነታትን። ኣብ ርእሲ እቶም ሶፍትዌራት ይኹኑ ካልኦት ካብ ኢንተርነት ከተውርድዎም ዝኽእሉ ፍርያታትን፡ ካልኦት ንመሸጣ ድዩስ ንፈተነ ተጠቃምነት ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ተቐሪቦም ዘለዉ ፍርያታትን ኣገልግሎታትን እውን ኪወሃቡኹም ዝከኣል እዩ፡ ማለት ናይ መጨረስታ ተጠቀምቲ ምዃንኩም ዝሕብር ርእሱ ዝኸኣለ ልቸንሳ ንምሓዝ ስምምዕ ምስ እትገብሩ፡ ንሰነዳት ቕድመ-ኵነት ኣጠቓቕማን ኣገልግሎትን፡ ከምኡ’ውን ንኻልኦት ተመሳሰልቲ ሰነዳት ምስእትኽትሙሎም።. ነዞም ፍርያታት እዚኣቶም እንተደኣ ተጠቒምኩምሎም፡ ነቶም ናይ መሸጣ፡ ምግጣም (installation) ወይ ተጠቃምነት ዝውክሉ ስምምዓት ክትቅበሉዎም ድማ ትሕተቱ ኢኹም።.

ንዓኻትኩም ምእንቲ ክጥዕመኩም፡ ማይክሮሶፍት ከም ኣካል ናይ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ወይ ኣገልግሎታት ወይ’ውን ኣብ ናቱ ሶፍትዌር ኰነ ዝግዝኡን ዝሽየጡን ኣቝሑ መሳለጥያታት፣ ንቀጥታዊ ተጠቃምነት ወይ ካብ ኢንተርነት ንኸተውርድዎም ብምባል ክቕርብ ይኽእል እዩ። እዚኣቶም ካብ’ቶም ስሩዓት ንመሸጣ ዝተዳለዉ ንቝሑ ይኹኑ ኣገልግሎታት ወጻኢ እዮም።. ማይክሮሶፍት፡ ዝምልከቶ ሕጊ ክሳብ ዘፍቅዶ፡ ዝዀነ ክህቦ ዝኽእል ውክልናታት፡ ውሕስነታት፡ ወይ ምስ ልክዕነት ናይቲ ውጽኢት ወይ ካብዞም መሳርሒታት ዝርከብ ረብሓ ብምትእስሳር መረጋገጺ ኣይህብን እዩ።

ነቶም ብመገዲ ዲጂታውዊ ቤት መሸጣ ዝቕረብልኩም መሳርሒታት ወይ ነቶም ብመገዲ ሶፍትር ኰነ ብምግዛእን ምሻጥን ኣቕሑ ዝውሃብኹም መሳርያታት፡ ክትጥቀምሎም ከለኹም፡ ብኽብረትኩም፡ መሰል ኣእምሮኣዊ ፍርያት ናይ ካልኦት ሰባት ኣኽብሩ።.

13. ኮዳት ናይ ሶፍትዌርን ካብ ኢንተርነት ዝራገፉ ትሕዝቶታትን። ገለ ገለ ሶፍትዌርን ፍርያትን፡ ብመገዲ’ቲ ምስ ዝዓደግኩምዎ ተተሓሒዙ ኣብ ናይ ማይክሮሶፍት መለለዪ ኣድራሻኹም ዝርከብ ናይ መውረዲ መስመር ገይሩ ክውሃበኩም እዩ።. ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሕጥበ ጽሑፍ ተማእዘን። ዝበዝሕ ግዜ፡ ኣብ ናይ ማይክሮሶፍት መለለዪ ኣድራሻኹም ነዚ ዕድግ እዚ ምእንቲ ክትገብሩ፡ ንናይ መውረዲ መስመርን ምስኡ ዝመሳሰል ቀንዲ ዲጂታላዊ ነገራትን፡ ካብቲ ተዓደገሉ ዕለት ጀሚርና ን3 መዓልቲ ንኽዝኖ ኢና። እንተዀነ፡ ንሓደ ንውሕ ዝበለ ግዜ ክኽዘነልኩም ግን ተስፋ ኣይግበሩ።. ናይ መውረዲ መስመር ብምቕራብ፡ ዝወሃብ ናይ ኣባልነት ፍርያት፡ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ናይ መኸዘኒ መሰል ክትግበር ይከኣል እዩ። እዚ ድማ፡ ኣብ ግዜ subscription ንኽትግምግምዎን ንኽትሰማምዑ ይሕግዘኩም እዩ።.

ነቲ መፍትሕ ናይ ዲጂታል መኸዘኒና ፕሮግራምና፡ ኣብ ዝዀነ ግዜ ክንስርዞ ወይ ከነተዓራርዮ ከምእንኽእል ተሰማሚዕኩም ኢኹም።. ብዘይካ’ዚ፡ ንሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ፍርያታት ተባሂሎም ንዝኽዘኑ መኽፈቲ ኮዳት ምድጋፍ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ከምኡ’ውን ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ከነቋርጾ ከምእንኽእል ተሰማሚዕኩምሉ ኣለኹም። እዚ ከኣ፡ ንኣብነት፡ ዕድመ ተጠቃምነት ናይ’ቲ ፍርያት ኣብ ዘብቅዓሉ’ሞ ነቶም መኽፈቲ መስመራት ኢንተርነት (ሊንክታት) ኰነ ዲጂታውያን መኽፈቲ ኮዳት (ዲጂታል ኪ) ንኽትጥቀሙሎም ዕድል ኣብ እትኽልኡሉ ግዜ ተግባራዊ ይኸውን።. ነቲ ፕሮግራምና እንተደኣ ሰሪዝናዮ ወይ ኣተዓራሪናዮ፡ ኣብ’ቲ ናትኩም ኣድራሻ፡ ናብ መውረዲ/መራገፊ መስመር ወይ ዲጂታላዊ መፋትሕ ኣፍ-ደገ ወይ መሰል ተጠቃምነት ኣይክህልወኩምን እዩ። ነቲ ተመሳሳሊ ናይ ማይክሮሶፍት መለለዪ ኣድራሻኩም ድማ፡ ናይ መራኸቢ ሓበሬታ ተጠቒምና፡ ኣቐዲምና ብውሕዱ 90 መዓልታት ሓበሬታ ክንህበኩም ኢና።

14. ዋጋ። ኣብ ሃገርኩም ወይ ዞባኹም፡ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ችርቻረ ናይ ማይክሮሶፍት ምስ ዝህልወና፡ ብዛዕባ ዋጋታት፡ ምምራጽ ፍርያትን ኣብኡ ዝውሃብ ምትብባዓትን፡ ካብቶም ኣብ ቀጥታዊ መስመር (online) ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዘለዉ ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ።. ዝምልከት ሕጊ ክሳብ ዘፍቅዶ፡ ማይክሮሶፍት ብዛዕባ ህላወ ዋጋ፡ ፍርያት ወይ ብቐጥታዊ መስመር ዝወሃብ ምትብባዓን ውሕስነት ኣይህብን ወይ’ውን ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ችርቻረ ማይክሮሶፍት ወይ ከኣ ብግምጥልሽ ከምዝህሉ ኣይገብርን እዩ።.

እዚ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ እዚ ንምንጽጻር ዋጋታት ብዝምልከት ውሕስነት ኣይህብን እዩ። ንሕና፡ ነቲ ዝተወዓውዐ ዋጋ ኣይነዛምዶን ኢና። ምኽንያቱ፡ ካልኦት ቸርቸርቲ ነቶም ሓደ ዓይነት ፍርያት ወይ ነገራት፡ ምዝማድ ናይ ዋጋ ይገብሩሎም እዮም።.

ንገለገለ ፍርያታት፡ ቅድሚ’ቲ ክቕረብሉ ዘለዎም ዕለት፡ ኣቐዲምኩም ንኽትእዝዝዎም ዕድላት ክንህብ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ኣቐዲምካ ምእዛዝ ዝገልጽ ፖሊሲታትና ዝያዳ ንኽትምሃሩ፡ ብኽብረትኩም ኣብ ገጽ ኣቐዲምካ-ምእዛዝ ተመልከቱ https://go.microsoft.com/fwlink/p/?linkid=834935&clcid=0x0473።.

እንተደኣ ዘይተገሊጹ፡ ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ተሓቢሩ ዘሎ ዋጋታት፡ ነቲ ኣብ እትዕድግዎ ክትግበር ዝኽእል ቀረጽ ወይ ክፍሊታት ("ቀረጽ") ዘጠቓለለ ኣይኰነን።. ብዝይካ’ዚ፡ ኣብ ዲጂታላዊ ቤ ትመሸጣ ተሓቢሩ ዘሎ ዋጋታት፡ ነቲ ናይ መልኣኺ ዋጋ ዘጠቓለለ ኣይኰነን። ቀረጽን ናይ መልኣኺ ዋጋታትን (ከም ዝጥዕም) ምስቲ እትዕድግዎ ዋጋታት ኣብቲ ናይ መረጋገጺ ገጻት ከምዝርአ ክኸውንን እዩ።. ንኸም ቀረጽን ወጻኢታትን ምኽፋል፡ ምሉእ ብምሉእ ሓላፍነት ናትኩም እዩ።.

በቲ ትነብረሉ ከባቢ መሰረት ድማ ሓደሓደ ዕድጊታት ናይ ወጻኢ ባጤራ ሸርፊ ወይ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝዳለዉ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ልቓሕ ወይ ናይ ዕዳ ካርድ ትጥቀሙ እንተደኣ ኰይንኩም፡ ባንክኹም ነዞም ኣገልግሎታት እዚኣቶም ኢሉ ተወሳኺ ገንዘብ ከኽፍለኩም ይኽእል እዩ።. ብኽብረትካ ንዝርዝር ሓበሬታ ነቲ ባንክኻ ተወከስ።

15. ኣውቶማቲካዊ ወይ ቅጽበታዊ ምምራጽ ምሕዳስ። ኣብ ሃገርኩም፡ ዞባኹም፡ ወረዳኹም/ግዝኣትኩም ወይ ክፍለ ሃገርኩም፡ ቅጽበታዊ ምሕዳስ ምግባር ዝፍቀድ እንተደኣ ኰይኑ፡ ኣብ መወዳእታ ቀዋሚ ኣገልግሎት ግዜ፡ ንፍርያት ወይ ኣገልግሎታት ብቕጽበታዊ መገዲ ንኸተሐድስዎም ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። ንፍርያትኩም ወይ ኣገልግሎታትኩምም ብኣውቶማቲካዊ ወይ ቅጽበታዊ መገዲ ከተሐድሱዎ እንተደኣ መሪጽኩም፡ ነቶም ፍርያትን ኣገልግሎታትን ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣገልግሎት ዝውሃበሉ ክፍለ-ግዜ፡ ብኣውቶማቲካዊ መገዲ ከነሐድሰልኩምን ነቲ ናይ ምሕዳስ ስምምዕ ብመሰረት ህልዉ ዋጋ ከነኽፍለኩምን ንኽእል ኢና። እዚ ክኸውን ዝኽእል፡ ብመሰረት ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ፡ ነቲ ፍርያት ወይ ኣገልግሎታት ክትስርዝዎ ክሳብ ዝመረጽኩም እዩ።. ነቲ ናይ ምሕዳስ፡ በቲ ዝመረጽኩምዎ ናይ ክፍሊት ኣገባብ ከነኽፍለኩም ኢና። እዚ ከኣ፡ ወይ ኣብቲ ናይ ምሕዳስ ዕለት ኣብ ፋይል ወይ ከኣ ድሒሩ ብእንቕርበልኩም ክኸውን እዩ።. ቀቅድሚ’ቲ ናይ ምሕዳስ ዕለት፡ ነቲ ፍርያት ወይ ኣገልግሎታት ክትስርዝዎ ትኽእሉ ኢኹም።. መታን ናይ ምሕዳስ ዕዳ ንኸተወግዱ፡ ቅድሚ ናይ ምሕዳስ ዕለት ክትስርዝዎ ትግደዱ ኢኹም።

16. ፍርያት ናይ ምምላስ ፖሊሲ።. እንተደኣ ተኻኢሉ፡ ካብ ዝዕደግ ወይ ዳውንሎድ ካብ ዝኸውን 14 መዓልታት ዝገበረ ዝዀነ ፍርያት፡ ክምለስን ብኻልእ ብቑዕ ፍርያት ክቕየርን ከነፍቅድ ኢና።. ነቲ ብቑዕ ፍርያት ብዘይ ዝዀነ ስክፍታ ከም ሓዲሽ ፍርያት ምለስዎ። ምስኡ ድማ፡ መበቆላዊ ጥቕላል/ዕሻግ፡ ምስ ኩሎም ክፍሊታት፡ ክፍሊ ኣካል ማኑዋል መምሪሒታትን ኣቐዲሙ ተጸንቢሩ ዝነበረ ሰነዳት ልኣኹዎ።. እዚ ናይ ምምላስ ፖሊሲ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝዓደግኩምዎ ፍርያት ክትግበር ንዝኽእል ዝዀነ ብሕጊ ዝጸደቐ መሰል ዝጸልዎ ኣይኰነን።

ዝተዓሸገ ሶፍትዌርን ገይማትን ግድን ምስ ማሕተሞም ክምለሱ ኣለዎም። ብዘይካ’ዚ፡ ምስኦም ንዝጸንሑ ሚድያታት ኮዳት ናይ ፍርያትን ከጠቓለሉ ይግባእ።. ከም ሓደ ድሩት ፍሉይነት፡ ምስ ውዕላት ተጠቃምነት (ልቸንሳ) ዘይትሰማምዑ እንተኰይንኩም፡ ነቶም ዝተኸፍቱ ጥቕላላት ሶፍትዌርን ገይማትን፡ ኣብ ናይ ምምላስ እዋን ክምለሱ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ፡ እዚ ክኸውን ዝኽእል፡ ዝዀነ ቅዳሕ ምስ ዘይትገብሩ ወይ ምስ ዘይትጥቀሙ እዩ።

ገለ ፍርያት ወይ ንብረታት፡ ሕጊ ወይ ፍሉይ መምርሒ ኣጠቓቕማ ናይ’ቲ ፍርያት - ርእሱ ዝኸኣለ ፍቓድ ሂብሎም እንተዘይኰይኑ፡ ክምለሱ ኣይግባእን እዩ። እዚ ዕድግታት ናይ ከም’ዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፍርያታት ናይ መወዳእታን መሕወዪ ክፍሊት ዘይምለሰሎምን እዮም፦.

ዲጂታላዊ ኣፕስ፡ ገይማት፡ in-app ዝዓይነቱ ትሕዝቶን ምዝገባ ኣባልነትን፡ ሙዚቃ፡ ፊልምታት፡ ምርእቲ ቲቪ ከምኡ ድማ ምስኡ ምትሕሓዝ ዘለዎም፣.

ካርተሊናታት፡ን ኣገልግሎት/ናይ ደገፍ ካርዲታት (ንኣብነት፡ ስካይፕ፡ ኤክስቦክስ ላይቭ፡ ግሩቭ ሙዚቃ ፓስ)፡

ምሳኻትኩም ብዝጥዕም ዝተመሓየሸ ወይ ዝርዓመ ፍርያታት፡

ብፍሉይ ዝጥለብ ወይ ዝእዘዝ ፍርያት፡ እንተዘይኰኑ፡ ገለ ክፋል መተባብዒ ህያባት ናይ ዝገብር ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ፡.

ፍርያት ራንዶም ኣክሰ ስሜሞሪ (RAM) ("ራም")፡

ዝተፈጸሙ ወይ ዝሃለኹ ኣገልግሎታት፡ ከምኡ’ውን

ናይ ፍቓድ ምስክር ዘለዎም ንብረታት ወይ እቶም "ናይ መወዳእታ ማሕተም" ወይ "ፍጹም ዘይምለሱ" ዝብል ምልክት ወይ ስም ዘለዎም።

ንሓደ ዝገዛእኩምዎ ፍርያት፡ ብብቕዓት ናባና ምስ እትመልሱዎ፡ ናይ ብምልኡ ዋጋ ባዕልና ክንከፍሎ ኢና። እዚ፡ ብዘይ እቲ ናይ ኦሪጂናል መልኣኽን መቐበልን (እንተደኣ ሃልዩ) ክፍሊት እቱው እዩ። ዝኸፈልኩምዎ ወጻኢታት፡ ብገምጋም ካብ 3-5 ናይ ስራሕ መዓልታት ብርግጽ ገንዘብኩም ክትቅበሉ ኢኹም።. ዝዀነ ዝምለስ ገንዘብ፡ ናብ ተመሳሳሊ ሕሳብ’ዩ ዝልኣኽ። ልክዕ ከምቲ ነቲ ጠለብ ንምስዳድ ዝተጠቐምናሉ፡ (ኣብ ብዝሒ ናይቲ ዝምለስ ገንዘብ፡ ናይ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ልቓሕ ምስ ዘይትመርጹ) ተመሳሳሊ ናይ ኣከፋፍላ ሜላ ኢና ክንጥቀም።

ብቑዕ ፍርያት ብኸመይ ተመላሲ ትገብርዎ ምሉእን ዝርዝራዊን ሓበሬታ፡ ኣብ ተመላሲ ንብረትን ዝምለስ ገንዘብን ዝብል ገጻትና https://go.microsoft.com/fwlink/p/?linkid=723276&clcid=0x0473 ተመልከቱ።.

ኣብ ታይዋን ትነብር እንተደኣ ኮንካ፣ በቲ ዘሎ ናይ ታይዋን ምክልኻል ተጠቀምቲ ሕጊን ተዛመድቲ ሕግታትን፣ ዝኾነ ዘይጭበጡ ትሕዝቶታትን ኣብ ኢንተርነት ዝወሃቡ ኣገልግሎታትን ዝዕደጉ ናይ ዲጂታል ትሕዝቶታት ዝግበሩ ዕድጊታት እቲ ዕድጊ ናይ መጨረሻን ናይ ገንዘብ ምምላስ ዝበሃል ከምዘየለ ከተስተውዕል ይግባእ። ዝኾነ ናይ መዝሓሊ ዝኸውን ጊዜ ወይ ዝኾነ ገንዘብ ክምለሰልካ ናይ ምሕታት መሰል ኣለካ።

17. ንዓኹምዝኽፈልክፍሊት። እትእውዱና ገንዘብ ምስ ዝህልወኩም፡ ዕዳኹም ምእንቲ ክትክፈሉ፡ ንዓኹም ክንረኽበሉ ዘኽእለና ህጹጽን ልክዕን ሓበሬታ ክትህቡና ትሰማምዑ ኣለኹም።. ብሰንኪ’ዚ ዘይምኽፋልኩም፡ ንዝዀነ ዝመጽእ ቀረጽን ምቑራጽ ገንዘብን ሓላፍነት ባዕልኹም ክስከምዎ ኢኹም።. እቲ ዝምልከት ሕጊ ክሳብ ዘፍቅዶ፡ ምስ ዝዀነ ኣብ ልዕሊ መሰልኩም እነቐምጦ ምስ ክፍሊት ዝተሓሓዝ ካልእ ኩነታት ክትሰማምዑ ክትግደዱ ኢኹም። ብጌና ክፍሊት ምስ እትቕበሉ፡ ነቲ ክፍሊት ክንምለሶ ወይ ድማ ንኽምለስ ጠለብ ከነቕርብ ንኽእል ኢና።. ነዚ ኣብ ምትግባር ኣብ እንገብሮ ጻዕሪታት፡ ምሳና ንኽትተሓባበሩ ተሰማምዑ። ነቲ ኣቐዲምና ንኸፍለኩም ዝነበርና ዝያዳ ክፍሊት ከም እነስተኻኽሎ ከይሓበርና፡ ንዓኹም እንኸፍሎ መጠን ገንዘብ ከነጕድሎ ንኽእል ኢና።

18. ካርተሊናታት። ካብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ችርቻረ ማይክሮሶፍት ዝተዓደገ ካርተሊና፡ ኣብ ነቚጣ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ ኰይኑ፡ ብውዕል ችርቻረ ናይ ካርተሊና ዝመሓደር እዩ። https//www.microsoftstore.com/store/msusa/html/pbPage.Help_Retail_Stores#GiftCards.

ሓበሬታ ብዛዕባ ህያብ ካርድ ስካይፕ፡ ኣብ ሓጋዚ ገጻት ስካይፕ ክርከብ ይከኣል። (https://support.skype.com/en/faq/FA12197/what-is-a-skype-gift-card-and-where-can-i-buy-one).

ድሕነትን ምጥቃም ካልኦት ካርተሊናታት ማይክሮስፎትን፡ ብመሰረት ስምምዕን ኩነታትን ካርተሊን ማይክሮሶፍት እዩ ዝመሓደር። (https://commerce.microsoft.com/PaymentHub/Help/Show/toc_link_no_62).

19. ኣገልግሎት ዓማዊል። ብኽብረትኩም፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ዓማዊል ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብ መሸጣናን ናይ ሓገዝ ገጻትናን https://go.microsoft.com/fwlink/p/?linkid=824761&clcid=0x0473 ብጽሑ።.

ሓፈሻዊስምምዓት

20. ምቕያር ስምምዓት። ማይክሮስፎት፡ ንስምምዕ መሸጣ ኣብ ዝዀነ ግዜን ንዓኹም ከይሓበረን ክልውጦ ይኽእል እዩ። ኣብ ግዜ ክትእዝዙ ከለኹም ኣብ ትግባረ ዝነበረ ስምምዕ መሸጣ፡ ነቲ ዝዓደግኩምዎ ዝቕይዶን ኣብ መንጎ ከም ናይ መግዝኢ ስምምዕ ኰይኑ ዘገልግለናን እዩ። ቅድሚ ዝመጽእ ሸመተኹም ወይ ምዕዳግኩም፡ ማይክሮሶፍት ንዓኹም ከይሓበረ ንስምምዕ መሸጣ ክልውጦ ይኽእል እዩ።. ብኽብረትኩም፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዝበጻሕኩምሉ ግዜ፡ ን ስምምዕ መሸጣ ርኣዩዎን ገምግምዎን።. ኣብ መጻኢ፡ ንብረት ምስ ዓደግኩም ከም መወከሲ ምእንቲ ክጠቕመኩም፡ ቅዳሕ ናይ’ቲ ስምምዕ መሸጣ ክትሕዙ ወይ ክትሓትሙ ንመኽረኩም።.

21. ድሩትነት ናይ ዕድመ። ደረት ዕድመ ምግባር፡ ኣብ ናይ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ተጠቃምነትኩም ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ምዕዳግን ምግዛእን እውን ክትግበር ዝኽእል እዩ።.

22. ብሕትውናን ምክልካልን ውልቃዊ ሓበሬታ።. እቲ ግላውነትካ ምሕላው ንዓና ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ነቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ንምክያድን ቀረብ ንምሃብን፡ ነቲ ካባኻትኩም ዝኣከብናዮ ገለ ገለ ሓበሬታታት ንጥቀመሉ ኢና።. ብኽብረትኩም፡ ነቲ ካባኹም እነዋህልሎ ዓይነት እኩብ ሓበሬታ ኰነ ንመሳርሒታትኩም ("እኩብ ሓበሬታ")፡ ከምኡ’ውን ነቲ ካባኹም ዝረኸብናዮ እኩብ ሓበሬታ፡ ከመይ ብዝኣመሰለ ኣገባብ ከምእንጥቀመሉ ስለዘብርህ፡ ነቲ ናይ ማይክሮሶፍት ንብሕትውና ዝምልከት መግለጺ ኣንብብዎ ኢኹም። ማይክሮሶፍት፡ ብኸመይ ንመልእኽቲኹም ምስ ካልኦት ከምዝጥቀመሉ፡ ናይ ውልቂ ቃለ-መግለጺ ዘነጽሮ’ዩ። ንኣብነት፡ ብመገዲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ኣቢልኩም ዝልኣኽምዎ ወይ ዘረከብኩምዎ ሓበሬታ ወይ ግብረ-መልሲ፡ ከምኡ ድማ ፋይላት፡ ስእሊታት፡ ሰነዳት፡ ድምጺ፡ ዲጂታላዊ ስራሓት፡ ዝጽዓንኩምዎ ቪድዮ፡ ኣብ መሳርሒታትኩም ዘሎ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ወይ ብጽሒት ("ትሕዝቶ ናትኩም") ምጥቓስ ይከኣል።. ብመሰረ’ቲ ኣብ መሰል ብሕትውና ዝምልከት ወግዓዊ ቃል ተገሊጹ ዘሎ፡ ተጠቀምቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ብምዃንኩም፡ ንናይ ማክይሮሶፍት ጥሙር ናይ ስምምዕ ቅድመ ኲነት፡ ተጠቃምነትኩም ከምኡ ድማ ፍቓድኩምን መረዳእታኹምን ክቃላሕ ፈቒድኩም ወይ ተሰማሚዕኩም ኣለኹም ማለት እዩ።.

23. ምዝርጋሕ ፍርያትን ሕብሪታትን ማይክሮስፎት፡ ሕብራዊ ፍርያትን ስእሊታትን ብልክዕ ንምቕራብ ፈተነታት ይገብር’ዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ስክሪን መሳርሒኹም ወይ ሞኒተርኩም እትርእይዎ ሕብሪ፡ ምስቲ ናይ ፍርያት ሕብሪ ብትኽክል ክዛመድ ኣለዎ ኢልና ውሕስነት ኣይንህብን ኢና።.

24. ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዝቐርብ ወይ ዝርአ ጌጋታት። ቅኑዕ ሓበሬታ ክንዝርግሕ፡ ነቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ብስሩዕ ከነሐድሶን ጌጋታት ኣብ ዝርከብሉ ንምእራሞምን ኣበርቲዕና ኢና ንሰርሕ። እንተዀነ፡ ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዘሎ ዝዀነ ትሕዝቶ፡ ኣብ ዝዀነ ግዜ ቅኑዕ ዘይክኸውን ወይ ዕለቱ ዘሕለፈ ክኸውን ይኽእል እዩ።. ብዛዕባ ዋጋ ፍርያት፡ ፍሉይ መግለጺታት፡ ህያባትን ዘሎ ቀረባትን ኣመልኪትና፡ ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ኣብ ዝዀነ ግዜ ለውጢታት ክንገብር ሕሉው መሰልና እዩ።.

25. ምቁራጽ ዕድል ተጠቃምነት። ማይክሮሶፍት፡ ነዞም ስምምዓት መሸጣ ወይ ፖሊሲታት ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ምስ እትጥሕሱ፡ ወይ’ውን እቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ብማይክሮስፎት ዘይሰርሕ ምስ ዝህሉ፡ ኣብ ዝዀነ ግዜን ብዝዀነ ምኽንያትን፡ ደረት ግዜ ከይሃበ ማለት’ዩ፡ ኣዳራሻኹም ወይ ምጥቃም ናይቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ከቋርጾ ይኽእል እዩ። ነቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ተጠቒምኩም፡ ንዝዀነ እትገብርዎ ጠለብ ወይ ቅድሚ’ቲ ስምምዕ ምኽታሙ እትኸፍልዎ ዕዳ፡ ሓላፍነታዊያን ክትኰኑ (ብመሰረት እቶም ስምምዓት) ተሰማሚዕኩም ኣለኹም።. ማይክሮሶፍት፡ ኣብ ዝዀነ ግዜ፡ ብዝዀነ ምኽንያት፡ ከምኡ’ውን ኣቐዲሙ ሓበሬታ ከይሃበኩም ነቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ክቕይሮ፡ ከቋርጾ፡ ወይ’ውን ደው ከብሎ ይኽእል እዩ።

26. መሸጣ ውሕስነትን ደረት ኣብ ናይ ዝውሃቡ ፍትሓትን። ዝምልከት ውሽጣዊ ሕግኹም ክሳብ ዘፍቅድ፡ ማይክሮሶፍትን ኣቕረብቱን፡ ዘርጋሕቱ፡ ገዚኦም ዝሸጡ፡ ከምኡ ድማ ፍርያት ወሃብቲ፡ ዝዀነ ዝገልጽዎ ወይ ዘቕርብዎ ውሕስነት፡ ዝህብዎ መብጽዓ የለን። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ናይ ንግድ ኩነታት፡ ዕግበት ብቕዓት፡ ድልዳለ ንብረት ኣብ ዝተወሰነ ዕላማ፡ ንፉዕ ሰራሕተኛ ንምጥራይ ዝግበር ጻዕሪ፡ ስም ወይ መዓርግ ወይ ሕጊ ዘይምጥሓስ - ውሕስነት ኰነ መብጽዓ ኣይህቡን እዮም።. ዝተሸጥይ ፍርያትን ንብረትን ወይ ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዘለዉ ውሕስነት ኣለዎም። እዚ ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ስምምዕ ሕጋዊ ፍቓድ ወይ ንዓኦም ዘሰንይዎም ናይ ሰራሒ ወይ ሰናዒ ውሕስነታት ጥራይ እዩ ዝትግበር።. ብዘይካ ኣብ ትሕቲ ስምምዕ ሕጋውዊ ፍቓድ ተሰንዩ ቀሪቡ ዘሎ ወይ ናይ ሰናዕቲ ውሕስነትን ምስ ብሕጊ ዝጸደቐ መሰልኩምን፡

እትገብርዎ ዕድጊን ኣጠቓቕምኡን ብናታትኩም ክሳራ እዩ፡

ንሕና እንህቦ ፍርያትን ንብረትን፡ "ከም ዘለዎ," "ምስ ኩሎም ጉድለታት," ከምኡ ድማ "ከም ህላወኡ" ዝብሉ እዮም፡

ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ወይ ክሳራ፡ ብመጠን ናይቶም ፍርያት ብቕዓትን ዝህብዎ ፈጽምን ክትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ’ውን

ናይ ብምልኦም ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ወይ መጸገኒታት ዋጋ ክትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ማይክሮሶፍትል፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ወይ ኣገልግሎታት ዘሎ ንጻረን ቅኑዕነትን ናይ ሓበሬታ፡ ሓላፍነት ኣይወስድን እዩ።. ኮምፒዩተርን ናይ ቴለኮሚኒከሽን ኣገባባትን ኣበር ኣልቦ ስለዘይኰኑ፡ ብሰንኪ ብልሽት ስሕት ኢሉ ምቁራጽ የጋጥም እዩ።. ናብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ወይ ኣገልግሎታት ዝህሉ መሰል ተጠቃምነት፡ ዘየቋርጽ፡ እዋናዊ፡ ውሑስ፡ ወይ ጌጋ ኣልቦ፡ ወይ’ውን ናይ ትሕዝቶ ምቁራጽ ዘየጋጥሞ እዩ ኢልና ውሕስነት ኣይንህብን ኢና።

ዘይከም’ቲኣብ’ዚስምምዕመሸጣእዚተጠቒስዎዝርከብ፡ኣብልዕሊመኽዘን፡ኣገልግሎትታትድዩስኣብልዕሊዝዀነይኹንዝተዋህበኣገልግሎትንዝወርድዕንወትንምሕዋይዘኽእልባይታምስዝህልወኩም፡ –ማለትእቲንዕኡዝምልከትሕጊዘፍቅዶክሳብዝዀነ– ዘለኩምእንኮፍታሕካብማይክሮሶፍትወይናቱኣቕረብቲድዩስካብዓዲጎምዝሸጡ፡ኣከፋፈልትንኣቕረብቲትሕዝቶንኣማራጺምርካብእዩ።ሽንንናይቀጥታዊጠቕላላመጠንዕንወት (1) ዋጋወይክፍሊትናይሓደወርሒዝመጠኑኣገልግሎት፡ኣባልነትወይተማሳሳሊክፍሊት (ዋጋመግዝኢሃርድዌየር፡ሶፍትዌየር፡ደገፍይኹንዝተናውሐውሕስነትመሸጣዘየጠቓልል)፣ወይድማ (2) USD 100.00 ማለትዝተዋህበኣገልግሎት፡ኣባልነትድዩስተማሳሳሊክፍሊትምስዘይነብር።

ኣብ ትሕቲ ውሽጣዊ ሕጊ፡ ገለ ገለ መሰላት ክህልወኩም ይኽእል እዩ። እዚ ክንትራት እዚ ኣብ ትግባረ እንተደኣ ውዒሉ፡ ነቶም መሰላት ንምጽላው ዝዓለመ ነገር ከምዘይኰነ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብኒውዚላንድእትቕመጡዓማዊል፡ኣብትሕቲናይውሕስነትዓንቀጽዓማዊልኒውዚላንድ፡ሕጋዊመሰልክህልወኩምይኽእልእዩ።ኣብዞምስምምዓትመሸጣተጠቒሶምዘለዉ፡ነቶምመሰላትንኽጸልውዎምዕላማዝገበሩኣይኰኑን።

27. ደረት ናይቲ ተሓታትነት። ክሳብ’ቲ በቲ ከስርሕ ዝኽእል ሕጊ ፍቑድ ዝዀነ፡ ዝዀነ ካልእ ዕንወታት ወይ ክሳራታት ማለት፡ ስዒቡ ዝመጸ፡ ፍሉይ፡ ብዘይቀጥታ፡ ሃንደበታዊ ወይ መቕጻዕታዊ ዕንወታት ወይ’ውን ዝተኸስረ መኽሰባት ከተሕውይዎ ከምዘይትኽእሉ ተሰማሚዕኩም ኢኹም።. ሽሕ ግዜ ናይ’ቲ ዘጋጥም ዕንወታት ዕዳ ተሸከሙን ዋላ’ውን ንሕና ብዛዕባ ተኽእሎታት ናይቲ ዘጋጥም ዕንወት ፈሊጥና ንንበር ወይ ክንፈልጥ ዝግበኣና እንተዀነ፡ ኣብ ዓንቀጻት 26 ን 27 ዘለዉ ሕጽረታትን ምውጋድን ተግባራዊያን እዮም።. ገለ ክፍለ ሃገራት ወይ ኣውራጃታት/ግዝኣታት፡ ብዛዕባ ምንጻግ ወይ ምድራት ናይ’ቲ ብወዝቢ ዘጋጥም ወይ ሳዕቤናት ዕንወት ንብረት ኣየፍቅዳን እየን። ስለዚ፡ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ሕጽረታት ወይ ምውጋድ ንዓኻትኩም ኣይምልከትን እዩ።.

ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ዝምልከት ሕጊ ዘፍቅዶ፡ እዚ ድሩትነትን ምንጻግን፡ ኣብ ኩሎም ሕቶታት ዝትግበር እዩ። እዚ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ሕጋውዊ ክለሰ-ሓሳብ፡ ከምኡ’ውን እዚ ምስ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ፡ ኣገልግሎታት፡ ምስ ስምምዕ መሸጣ ወይ ምስ ዝዀነ ዝወሃብ ፍርያትን ንብረትን፡ ከምኡ’ውን ምቁራጽ ትዝሕቶ፡ ነቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ወይ ኣገልግሎታት ክትጥቀምሉ ዝጸልወኩም ዝዀነ ቫይረስ ወይ ቫይረስ ስለያ፡ ወይ ድማ፡ ካብቲ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዝተረኽበ ፍርያት ወይ ንብረት ዝተሓሓዝ እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ምጅማር ወይ ኣብ ምዝዛም ምዝርጋሕ ወይ ግብረ-ዋኒን ዝርአ ምድንጓይ ወይ ምቁራጽ፡ ዝተጠቕሰ ድሩትነትን ምንጻግን ተግባራዊ ይኸውን።

28. ምትርጓምወይምንጻርናይዞምስምምዓት።ኩሎም ክፋላት ናይዞም ስምምዓት መሸጣ እቲ ከስርሕ ዝኽእል ሕጊ ክሳብ ዘፍቅዶ፡ ብዝለዓለ ደረጃ ንትግባረ ተፈቒዶም ዘለዉ እዮም። ብዛዕባ ሕጋዊ ስልጣን ናይ መንበሪኹም (ዋኒን ይሃልኹም ወይ ቀንዲ ቦታ ዋኒንኩም ኣብኡ ይኹን) ድማ፡ ዝለዓለ መሰል ክህልወኩም ይኽእል’ዩ።. ንገለ ክፋል ናይዞም ስምምዓት፡ ብኸምቲ ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ፡ ከነተግብሮም ከምዘይንኽእል እንተደኣ ተወሰኒኑ፡ ነቶም ከስርሑና ዘይክኣሉ ስምምዓት፡ ኣብ ትሕቲ’ቲ ብቑዕ ሕጊ ከምዝትግበሮ ንምግባሮም፡ ብኻልኦት ተመሳሰልቲ ስምምዓት ክንቅይሮም ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግን፡ እቲ ተሪፉ ዘሎ ስምምዓት መሸጣ ፍጹም ኣይቅየርን እዩ። እዞም ስምምዓት መሸጣ፡ ምሉእ ብምሉእ ንረብሓኹምን ንረብሓናን እዮም። ብዘይካ ንረብሓ ወረስቲን ዝወከልናዮ ኣካል ማይክሮሶፍት እንተዘይኰኑ፡ ንዝዀነ ካልእ ሰብ ኣይኰኑን።. ካብ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ማይክሮሶፍት፡ ፍርያታት ወይ ኣገልግሎታት ምስ እትዕድጉ፡ ካልእ ስምምዓት ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።

29. ምደባ።እቲ ዝምልከት ሕጊ ክሳብ ዘፍቅዶ፡ ኣብ ትሕቲ እዞም ስምምዓት መሸጣ፡ ብምሉእ ይኹን ብኸፊል፡ ንዓኻትኩም ከይሓበርና ኣብ ዝዀነ ግዜ ናብ ዝደለናዮ ኣካል ክንውክል ኰነ ከነሰጋግር ወይ ድማ ንመሰልናን ግዴታታትና ከነተግብሮ መሰልና ኣብ ቦታኡ እዩ።. ኣብ ትሕቲ እዞም ስምምዓት መሽጣ፡ ዝዀነ መሰል ክትምድብ ወይ ከተሰጋግር ኣይፍቀድን’ዩ።

30. ምልክታንመራኸቢን።ንጥርዓን ወይ ይግባይ ዓማዊል ንምድጋፍ፡ ብኽብረትኩም ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ኣቲኹም፡ ኣብ ናይ መሸጣታትን ደገፍን ገጻት ተመልከቱ።. ንግርጭታት ዝምልከት፡ ኣብዚ ክፍሊ’ዚ ንዘሎ ናይ ሓበሬታ ኣገባባት ተኸተሉ።.

31. ስምምዕዝኣቱዘሎኣካል፡ምርጫሕጊንግርጭታትዝፍትሓሉቦታን።.

a. ሰሜንወይደቡብኣመሪካማለት፡ካብሕቡራትሃገራትንካናዳንወጻኢ።ኣብ ሰሜን ወይ ደቡብ ኣመሪካ ማለት፡ ካብ ሕቡራት ሃገራትን ካናዳን ወጻኢ ትነብሩ እተኰይንኩም (ኣብኡ ዋኒን ምስ ዝህልወኩም ወይ ቀንዲ ቦታ ዋኒንኩም ኣብኡ ምስ ዝኸውን)፡ ምስ ኮርፖረሽን ማይክሮሶፍት፡ ዋን ማይክሮሶፍት ወይ (Way)፡ ረድሞንድ፡ ዳብሊው.ኤ 98052፡ ዩ.ኤስ.ኤ. ኢኹም ስምምዕ ትገብሩ ዘለኹም። ምርጫ መትከላዊ ሕጊ ብዘየገድስ፡ ንትርጕም ናይዞም ስምምዓት መሸጣን ንምጥሓሶም ዝምልከት ጥርዓናትን፡ ሕጊ ክፍለ ሃገር ዋሽንግቶ እዩ ዝቆጻጸሮን ዘመሓድሮን። ሕግታትናይታ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣን ኣገልግሎታትን እነመልክተላ ዘለና ሃገር፡ ንዂሎም ጥርዓናት ወይ ይግባያት (ንዓማዊል ምክልኻል፡ ዘይፍትሓዊ ወይ ዘይቅኑዕ ውድድርን ናይ በደል ይግባይን ሓዊስካ ማለት’ዩ) ዝቆጻጸርን ዘመሓድርን እዩ።

b. ማእከላይምብራቕወይኣፍሪቃ።ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ወይ ኣፍሪቃ ትነብሩ እተኰይንኩም (ኣብኡ ዋኒን ምስ ዝህልወኩም ወይ ቀንዲ ቦታ ዋኒንኩም ኣብኡ ምስ ዝኸውን)፡ ምስ ማይክሮሶፍት ኣየርላንድ ኦፐረሽን ሊሚትድ፡ ዘ ኣትሪዩም ቢዩልዲንግ፡ ብሎክ ቢ፡ ካርማንሆል ሮድ፡ ሲድኒፎርድ ኢንዳስተሪያል ኢስት፡ ዱብሊን 18፡ ኣየርላንድ ኢኹም ስምምዕ ትገብሩ ዘለኹም። ኣብ መትከላዊ ሕግታት ዝመጽእ ግርጭታት ብዘየገድስ፡ ንትርጕም ናይዞም ስምምዓት መሸጣን ንምጥሓሶም ዝምልከት ጥርዓናትን፡ ሕጊ ኣየርላንድ እዩ ዝቆጻጸሮን ዘመሓድሮን።. ሕግታት ናይታ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣን ኣገልግሎታትን እነመልክተላ ዘለና ሃገር፡ ንዂሎም ጥርዓናት ወይ ይግባያት (ንዓማዊል ምክልኻል፡ ዘይፍትሓዊ ወይ ዘይቅኑዕ ውድድርን ናይ በደል ይግባይን ሓዊስካ ማለት’ዩ) ዝቆጻጸርን ዘመሓድርን እዩ።. ንኹልም ዝልዓሉ ግርጭታት ማለት ምስ ስምምዕ መሸጣ ወይ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ብምትእስሳር ዝኽሰቱ ዘይምርድዳኣት፡ ንሕናን ንስኻትኩምን ብዘይቅየር መገዲ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ሕጋዊ ስልጣንን ኣብ ቤት ፍርዲ ኣየርላንድ ክንራኸብን ተሰማሚዕና ኢና።

c. ብዘይካትሕተንተጠቒሰንዘለዋሃገራት፡ንኤስያወይደቡብፓሲፊክዝምልከትእዩ።. ኣብ ኤስያ (ጠቕላላ ደረት ቦታ ወይ ቀንዲ ቦታ ንግዳዊ ዋኒንኩም ኣብኡ ምስዝኸውን) ትነብሩ እንተዄንኩም (እዚ ግን ን ቻይና፡ ጃፓን፡ ሪፖብሊክ ኮርያ ወይ ታይዋን ሓዲግካ ምዃኑ እዩ)፡ ምስ ኮርፖረሽን ዞባዊ መሸጣታት ማይክሮሶፍት ኢኹም ውዕል ትኣትዉ ዘለኹም። እዚ ኮርፖረሽን እዚ ብመሰረት ሕጊ ክፍሊ ሃገር ነቫዳ ናይ ዩ.ኤስ.ኤ. ዝቖመ ኰይኑ፡ ኣብ ሲንጋፖርን ሆንግ-ኮንግን ጨናፍር ኣለዎ። ኣድራሻ ናይ ቀንዲ ቦታ ዋኒኑ ድማ 438B Alexandra Road, #04-09/12, Block B, Alexandra Technopark, Singapore, 119968 እዩ። ኣብ መትከላዊ ሕግታት ዝመጽእ ግርጭታት ብዘየገድስ፡ ኣብ ትርጕም ናይዞም ስምምዓት መሸጣን ንምጥሓሶም ብዝምልከት ኣብ ዝቐርቡ ጥርዓናትን ከም እንኮ መወከሲ ዘገልግል ሕጊ ክፍሊ ሃገር ዋሽንግቶን እዩ። ሕግታት ናይታ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ እነመልክተላ ዘለና ሃገር፡ ንዂሎም ጥርዓናት ወይ ይግባያት (ንዓማዊል ምክልኻል፡ ዘይፍትሓዊ ወይ ዘይቅኑዕ ውድድርን ናይ በደል ይግባይን ሓዊስካ ማለት’ዩ) ዝቆጻጸርን ዘመሓድርን እዩ።. ካብዚ ስምምዓት መሸጣ ወይ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ተበጊሱ ወይ ምስኡ ብምትእስሳር ዝዀነ ዘይምርድዳእ ወይ ግርጭት ምስ ዝልዓል፡ ማለት ምስ ህላዌ ናይዞም ስምምዓት፡ ብቕዓቶም፡ ወይ ዘብቅዕሉ ገደብ ግዜ ዝምልከት ዝዀነ ሕቶታት ምስ ዝህሉ፡ ኣቓልቦ ክዉሃቦን ኣብ መወዳእታ ድማ ብመሰረት ምስ’ዚ ኩነት’ዚ ተሳንዩ ዝኸይድ ስርዓተ ዳኝነት ኣህጉራዊ ማእከል ዳኝነት ሲንጋፑር (ኤስ.ኣይ.ኤ.ሲ)፡ ኣብ ሲንጋፑር ብይን ክውሃቦ እዩ።. እብቲ መጋብኣያ በቲ ናይ SIAC ፕረዚደትን ዝምዘዝ ሓደ መንጎኛ ክህልዎ እዩ። እቲ ናይ መንጎኝነት መራኸቢ ቋንቋ እንግሊዘኛ እዩ። በቲ መንጎኛ ዝውሰን ውሳኔ ናይ መጨረሻ፣ ቀያዲን ይግባይ ዘይበሃሎ ኮይኑ፣ ኣብ ዝኾነ ሃገር ወይ ዞባ ድማ ከም ቅቡል ውሳኔ ኮይኑ ይቀርብ።

d. ጃፓን። ኣብ ጃፓን ትነብሩ እተኰይንኩም (ኣብኡ ዋኒን ምስ ዝህልወኩም ወይ ቀንዲ ቦታ ዋኒንኩም ኣብኡ ምስ ዝኸውን) ምስ ኮርፖረሽን ማይክሮሶፍት ጃፓን ሲኦ. ኤልቲዲ (ኤምኤስከይከይ)፡ ሺናጋዋ ግራንድ ሰንትራል ህንጻ፡ 2-16-3 ኮናን ሚናቶ-ከዩ፡ ቶክዮ 108-0075፡ ኢኹም ስምምዕ ትገብሩ ዘለኹም። ሕግታት ሪፖብሊክ ኮርያ፡ ነዞም ስምምዓት መሸጣን ዝዀነ ካብኦም ተበጊሱ ክመጽእ ንዝኽእል ነገራት ወይ ምስኡ ወይ’ውን ምስ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዝመሳሰል ዝቆጻጸርን ዘመሓድርን እዩ።

e. ሪፖብሊክኮርያ።ኣብ ሪፖብሊክ ኮርያ ትነብሩ እተኰይንኩም (ኣብኡ ዋኒን ምስ ዝህልወኩም ወይ ቀንዲ ቦታ ዋኒንኩም ኣብኡ ምስ ዝኸውን) ምስ ኮርፖረሽን ማይክሮሶፍት ሪፖብሊክ ኮርያ፡ ኢንክ. መበል 11 ደርቢ፡ ህንጻ ኤ፡ ከይ -ማንታ ህንጻ፡ ጆንግሮ 1 ጊል 50፡ ጆንግሮ-ጂዩ፡ ሶል፡ ሪፖብሊክ ኮርያ፡ 110-150 ኢኹም ስምምዕ ትገብሩ ዘለኹም።. ሕግታት ሪፖብሊክ ኮርያ፡ ነዞም ስምምዓት መሸጣን ዝዀነ ካብኦም ተበጊሱ ክመጽእ ንዝኽእል ነገራት ወይ ምስኡ ወይ’ውን ምስ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዝመሳሰል ዝቆጻጸርን ዘመሓድርን እዩ።.

f. ታይዋን። ኣብ ታይዋን ትነብሩ እተኰይንኩም (ኣብኡ ዋኒን ምስ ዝህልወኩም ወይ ቀንዲ ቦታ ዋኒንኩም ኣብኡ ምስ ዝኸውን) ምስ ኮርፖረሽን ማይክሮሶፍት ታይዋን፡ ኢኹም ስምምዕ ትገብሩ ዘለኹም። ኣድራሻ፡ 18 ኤፍ፡ ቊ.ገዛ 68፡ ኤስኢሲ. 5፡ ዞንግዢያኦ ኢ. ኣርዲ ዞባ ሺንኒ፡ ተይፒ 11065፡ ታይዋን። ሕግታት ታይዋን፡ ነዞም ስምምዓት መሸጣን ዝዀነ ካብኦም ተበጊሱ ክመጽእ ንዝኽእል ነገራት ወይ ምስኡ ወይ’ውን ምስ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዝመሳሰል ዝቆጻጸርን ዘመሓድርን እዩ።. ብዛዕባ ኮርፖረሽን ማይክሮሶፍት ታይዋን ተወሳኺ ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ ምስ እትደልዩ፡ ብኽብረትኩም ነዚ ብሚኒስትሪ ቊጠባዊ ጉዳያት ኣር.ኦ.ሲ (R.O.C.) ተዋሂቡ ዘሎ ነቚጣ መርበብ ሓበሬታ ርኣዩ። (https://gcis.nat.gov.tw/main/index.jsp). ንሕናን ንስኻትኩምን፡ ንቤት ፍርዲ ኣውራጃ ታይፐይ - ታይዋን ይግባይ ብዘይበሃሎ መገዲ ተሰማሚዕናሉ ኢና። እዚ ድማ እዚ ኣውራጃኣዊ ቤት ፍርዲ እዚ፡ ነዞም ስምምዓት ይኹን ምስ’ዚ መኽዘናዊ ቤት-መሸጣ ብዝተኣሳሰር ድዩስ ካልኦት ጉዳያት ብዝምልከት ኣብ ዝለዓሉ ግርጭታት - ብቐዳማይ ደረጃ ጉዳያት ዝርኢ ሕጋዊ ኣካል ከም ምዃኑ መጠን፡ ብመንጽር እቲ ዝለዓለ ድንጋጌ ሕጊ ሃገረ-ታይዋን ዘፍቅዶ ክኸውን እዩ።

32. ሓበሬታታት።.

a. ብዛዕባምጥሓስሕጊኣእምሮኣዊፍርያትዝምልከትይግባይንምባልዘኽእልሓበሬታታትንኣገባባትንወይመስርሓትን።. ማይክሮሶፍት፡ ናይ ሳልሳይ ኣካላት መሰል ኣእምሮኣዊ ፍርያት የኽብር እዩ።. ብዛዕባ ምጥሓስ ኣእምሮኣዊ ፍርያት ዝምልከት ሓበሬታ ክትልእኩ ምስ እትደልዩ፡ ይግባይ ንምጥሓስ መሰል ዋንነት ከይተረፈ ሓዊስኩም ማለት፡ ብኽብረትኩም ነቲ ንምጥሓስ ሕጊ ዝምልከት ሓበሬታ ክትሰድሉ ዘኽእለኩም ኣገባባትና (https://www.microsoft.com/info/cpyrtInfrg.aspx) ተጠቐሙ። ኩሎም ኣብዚ መስርሕ’ዚ ኣገደስቲ ዘይኰኑ ጥርዓናት፡ መልሲ ኣይክውሃቦምን እዩ።.

ማይክሮሶፍት፡ ብዛዕባ መሰል ምጥሓስ ሕጊ ንዝወጸ ሓበሬታ ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ ዓንቀጽ 17፡ ቊጽሪ 512 ኮድ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሩ ዘሎ ኣገባባት እዩ ዝጥቀም።. ኣብ ምቹእ ኲነታት፡ ማይክሮሶፍት ኣድራሻ ናይቶም ብተደጋጋሚ ሕጊ ዝጥሕሱ ተጠቀምቲ ኣገልግሎታት ማይክሮሶፍት፡ ክቖርጾ ወይ ከቋርጾ ይኽእል እዩ።.

b. ሓበሬታብዛዕባመሰልሕትመትንምልክታትንግድን።.

ኩሎም ትሕዝቶታት ናይ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣን ኣገልግሎታትን፡ ናይ 2016 መሰል ዋንነት (©2016) ክርፖረሽን ማይክሮሶት ከምኡ ድማ ናይ ወሃብቲ ቀረባት ናይቲ ኮርፖረሽንን ናይ ወሃብቲ ቀረባት ሳልሳይ ኣካል፡ ዋን ማይክሮሶፍት ወይ (Way)፡ ረድሞንድ፡ ዳብሊውኤ 98052፡ ዩኤስኤ እዩ።. ኩሎም መሰላት ዝተሓለዉ እዮም። ንሕና ወይ ናትና ኣቕረብቲን ካልኦት ወሃብቲ ቀረባት ሳልሳይ ኣካልን፡ ወነንቲ ናይ ኣርእስቲ (title)፡ መሰል ዋንነትን ከምኡ ድማ ኣብ ዲጂታላዊ ቤት መሸጣ ዘሎ መሰላት ኣእምሮኣዊ ፍርያት፡ ኣገልግሎታትን ትሕዝቶን ኢና።. ማይክሮሶፍትን ከምኡ ድማ ኣስማት፡ ሎጎታትን ፍሉይ መለለዪ ናይ ኲሎም ፍርያትን ኣገልግሎታትን ማይክሮሶፍት፡ ወይ ምልክታት ንግዲ ወይ ድማ ዝተመዝገበ ምልክታት ንግዲ ማይክሮሶፍት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካናዳ ወይ’ውን ካልኦት ሃገራት ክኸውን ይኽእል።.

ዝርዝር ኣስማት ምልክታት ንግዲ ናይ ማይክሮሶፍት ኣብ’ዚ ዝስዕብ ነቚጣ መርበብ ሓበሬታ ናይ ኢንተርነት ክርከብ ይኽእል፡: https://www.microsoft.com/trademarks. ኣስማት ናይተን ቀንዲ ኩባንያታትን ፍርያተንን፡ ምልክት ንግዲ ናይቶም ዝምልከቶም ወነንተን ክኸውን ይኽእል።. ኣብዞም ስምምዓት መሸጣ፡ ብግልጺ ዘይተፈቕደ ዝዀነ መሰል፡ ሕሉው እዩ።.

33. ናይድሕንነትመጠንቀቅታ።ጌማት ኣብ ትጻወተሉ ወይ መተግበሪ ኣብ ትጥቀመሉ እዋን፣ ብፍላይ ዝኾነ ቃንዛ ወይ ድኻም ኣብ ዝስመዓካ እዋን ዘይተደልየ ጉድኣት፣ ቃንዛ ወይ ናይ ዓይኒ ሕማም ንምክልኻል ስሩዕ ዕረፍቲ ክትወስድ ይግባእ። ዘይምምቻእ እንተተሰሚዕካ፣ ዕረፍቲ ውሰድ። እዚ ዘይምምቻእ ዝበሃል ድማ፣ ዕውንውን ክበለካ ከሎ፣ ናይ ምንቅስቃስ ጸገም፣ ሃለፍ ክብለካ ከሎ፣ ኣፍትካ ምጥፋእ፣ ርእሲ ሕማም፣ ድኻም፣ ናይ ዓይኒ ጸገም ወይ ምድራቅ ዓይኒ ከጠቃልል ይኽእል። መተግበሪታት ምጥቃም ከዘንብዓክ ወይ ከባቢኻ ክይተስተብህል ክገብሩኻ ይኽእሉ እዮም። ካብ ምዕንቃፍ፣ ኣስካላታት፣ ትሑት ዝኾኑ ቦሎፎናት፣ ተሰበርቲ ዝኾኑ ነገራት ወይ ክቡራት ኣቕሑ ካብ ምስባር ክትጥንቀቅ ይግባእ። ኣዝዮ ሒደት ሚእታዊ ዝኾኑ ሰባት ንብዓይኒ ዝረኣይ ምስሊ ከም ኣብዚ መተግበሪ ዝረአ ብልጭ ብልጭ ዝብል መብራህቲ ወይ ቅርጽታት ንነዊሕ ጊዜ ብምርኣይ ሃለዋቶም ዘጥፍኡ ከምዘለዉ ክተስተውዕል ይግባእ። ምንም እኳ ናይ ሃለዋትካ ምጥፋእ ታሪኽ ዘይብሎም ሰባት ሃለዋቶም ንኸጥፍኡ ዘይፈልጥዎ ነገር ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። ገለ ካብቶም ምልክታት፤ ርእስካ ክዞረካ ከሎ፣ ነገራት ድርብ ኮይኑ ክረኣየካ ክጅምር ከሎ፣ ዘይተደልዮ ዓይኒ ምጽቃጥ፣ ምንቅጥቃጥ ወይ ምንፍጥፋጥ መሓውር፣ ኣንፈትካ ምስሓት፣ ምድንጋር፣ ሃለፍለፍ ምባል፣ ወይ ምንቅጥቃጥ ሰውነት ክጥቀስ ይከኣል። ዝኾነ ካብዞም ምልክታት ከጋጥመካ ከሎ፣ ብቅጽበት ካብ ምጥቃም ደው ኣቢልካ ዶክተር ክትረአ ይግባእ፣ ወይድማ እዚ ናይ ሃለዋትካ ምጥፋእ ኣጋጢሙካ ዝፈልጥ እንተነይሩ፣ ነዚ መተግበሪ ቅድሚ ምጥቃምካ ንዶክተር ክትውከስ ይግባእ። ወለዲ ድማ ደቆም ነዚ መተግበሪ ኣብ ዝጥቀሙሉ እዋን ነዞም ምልክታት ከስተውዕልሎም ይግባእ።